ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ናኣብ መላእ ዓለም ዝነብሩ ዲያስፖራ ተጋሩን ፈታዊቲ ህዝቢ ትግራይን ከምኡ’ውን ናኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነብር ህዝብና ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሰንኪ ወራር ፅንተት ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ፎቖዶ ቅዳድ ኬንዳታት ተፀጊዑ ብሰንኪ ሕፅረት ምግብን መድሓኒትን ብጥምየትን ሕማማትን ንሞትን ብርሰትን ተቃሊዑ ዝርከብ ተመዛባሊ ህዝብና ካብ ሞት ክነድሕኖ ብሓድነት ኾይንና ድምፂ ንኸንከኖ ጻውዒት ነቕርብ።





















